ዕቝባዊ ሓለዋ ነቶም ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወይ ምጕዕዓዝ ደቂ-ሰብ ዝዀኑ ሰባት

ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ወይ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ሰባት ዲኹም? ንስኻ/ኺ ብኣስራሒ ተመዝሚዝካ፡ ክትልምን ተገዲድካ፡ ከም ኣመንዝራ ሰሪሕኪ ወይ ገበን ፈጺምኪ/ካ ትፈልጥ'ዶ? እምብኣር ንስኻ/ኺ ኣብ ቤልጂዩም ኣብ ትሕቲ ውሱናት ኲነታት ሓለዋ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መኣስ ኢኹም ከም ግዳያት ምስግጋር ደቂ-ሰባት ትቚጸሩ?

ኣብ ቤልጂዩም ትነብሩ እንተሃሊኹም፡ ናይ ቤልጂዩም ዜግነት ዘይብልኩም እንተኾይንኩምን ኣብዞም ዝስዕቡ ካብ ሓደ ንላዕሉ ኣብ ዝዀኑ ኵነታት እንተሃሊኹምን፥

  • ካብቲ ቃል ዝተኣትወልኩም ናብ ዝተፈልየ ኲነታት እንተመጺኹም።
  • ክትገብርዎ ዘይትደልዩ ነገራት ንምግባር እንተተገዲድኩም።
  • ደሞዝኩም ካብቲ ቃል ዝተኣትወልኩም ኣዝዩ ዝወሓደ ኣንተኾይኑ። ንትሰርሕዎም ስራሓት እንተዘይተኸፊልኩም፡ ወይ ከኣ ኣዝዩ ውሑድ እንተተኸፊልኩም።
  • ንጉዕዞኹም ንምኽፋል በቶም ናብዚ ዘምጽእኹም ሰባት ክትሰርሑ እንተተገዲድኩም።
  • ንስኻ/ኺ ወይ ስድራቤትካ ምፍርራሕ እንተገጢምኩም፡ ከምኡ ድማ/ወይ ግዳይ ጎነጽ እንተኾይንኩም።
  • ሰነዳትኩም ተወሲዶም እንተልዮም ወይ ተታሒዞም እንተልዮም።
  • እንተ ተዳጒንካ። ካብ ዓለም ወጻኢ ተነጺልካ ትነብር እንተኾይንካ።
  • ናብ ቤልጂዩም ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ መጺኻ፣ ንእኡ ዝኽወን ብዙሕ ገንዘብ ክትከፍል ነይሩካ፣ ንስኻ/ኺ ግዳይ ጎነጽ ነይርካ ወይ ድማ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ነይሩ።

ንግዳያት ምስግጋር ደቂ-ሰባት ዝኸውን እንታይ ሓለዋ ኣሎ?

ከም ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብ መጠን፡ እዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ቅድመ-ኵነታውያን መምዘኒታት ኣብ ቦታኦም ኰይኖም፡ ኵነተ-ሃለዋት ነባርነት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፦

  • ነዞም ግህሰታት ሕጊ ብዝምልከት፡ ኣብ መስርሕ መርመራ ምትሕብባር ክትገብሩ ትጽቢት ይግበረልኩም።
  • ምስ ፈጸምቲ እዞም ገበናት እዚኦም ተወሳኺ ርክብ እንተዘይብልኩም
  • ብሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣብ ቤልጂዩም ዘለዉ ፍሉያት መቐበሊ ማእከላት ክትድገፉ እንተተሰማሚዕኩም፥
    • ኣብ Brussels፦ PAG-ASA
    • ኣብ ኣንትቨርፕ/Antwerp፦ PAYOKE
    • ኣብ Liege፦ SÜRYA

 ደገፍ ኣብ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ

እተን ሰለስተ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ እዚ ዝስዕብ ሓገዝ ንግድያት ይህባ፦

  • ውሑስ መጽለሊ
  • ሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ደገፍ
  • ናይ ሕጊ ሓገዝ

ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ መዓልትን ለይትን ብዘይ ምቝራጽ 24/7 (ሰሙን ምሉእ ን24 ሰዓታት) እየን ዝሰርሓ። እቲ ሓበሬታ ንኽትረኽቡ እተቕርብዎ ጠለብ ድማ ኣብ ፍታው ዝምርኮስ እዩ።

ህጹጽ ሓገዝ የድልየኩም ድዩ፡ ወይ ኣብ ሓደጋ ዲኹም ዘለኹም? ናብ ናይ ህጹጽ ሓገዝ ቍጽሪ ተሌፎን 101 ወይ 112 ደውሉ።