ዕቝባዊ ሓለዋ ነቶም ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወይ ምጕዕዓዝ ደቂ-ሰብ ዝዀኑ ሰባት
ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ወይ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ሰባት ዲኹም? ንስኻ/ኺ ብኣስራሒ ተመዝሚዝካ፡ ክትልምን ተገዲድካ፡ ከም ኣመንዝራ ሰሪሕኪ ወይ ገበን ፈጺምኪ/ካ ትፈልጥ'ዶ? እምብኣር ንስኻ/ኺ ኣብ ቤልጂዩም ኣብ ትሕቲ ውሱናት ኲነታት ሓለዋ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
መኣስ ኢኹም ከም ግዳያት ምስግጋር ደቂ-ሰባት ትቚጸሩ?
ኣብ ቤልጂዩም ትነብሩ እንተሃሊኹም፡ ናይ ቤልጂዩም ዜግነት ዘይብልኩም እንተኾይንኩምን ኣብዞም ዝስዕቡ ካብ ሓደ ንላዕሉ ኣብ ዝዀኑ ኵነታት እንተሃሊኹምን፥
- ካብቲ ቃል ዝተኣትወልኩም ናብ ዝተፈልየ ኲነታት እንተመጺኹም።
- ክትገብርዎ ዘይትደልዩ ነገራት ንምግባር እንተተገዲድኩም።
- ደሞዝኩም ካብቲ ቃል ዝተኣትወልኩም ኣዝዩ ዝወሓደ ኣንተኾይኑ። ንትሰርሕዎም ስራሓት እንተዘይተኸፊልኩም፡ ወይ ከኣ ኣዝዩ ውሑድ እንተተኸፊልኩም።
- ንጉዕዞኹም ንምኽፋል በቶም ናብዚ ዘምጽእኹም ሰባት ክትሰርሑ እንተተገዲድኩም።
- ንስኻ/ኺ ወይ ስድራቤትካ ምፍርራሕ እንተገጢምኩም፡ ከምኡ ድማ/ወይ ግዳይ ጎነጽ እንተኾይንኩም።
- ሰነዳትኩም ተወሲዶም እንተልዮም ወይ ተታሒዞም እንተልዮም።
- እንተ ተዳጒንካ። ካብ ዓለም ወጻኢ ተነጺልካ ትነብር እንተኾይንካ።
- ናብ ቤልጂዩም ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ መጺኻ፣ ንእኡ ዝኽወን ብዙሕ ገንዘብ ክትከፍል ነይሩካ፣ ንስኻ/ኺ ግዳይ ጎነጽ ነይርካ ወይ ድማ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ነይሩ።
ንግዳያት ምስግጋር ደቂ-ሰባት ዝኸውን እንታይ ሓለዋ ኣሎ?
ከም ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብ መጠን፡ እዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ቅድመ-ኵነታውያን መምዘኒታት ኣብ ቦታኦም ኰይኖም፡ ኵነተ-ሃለዋት ነባርነት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፦
- ነዞም ግህሰታት ሕጊ ብዝምልከት፡ ኣብ መስርሕ መርመራ ምትሕብባር ክትገብሩ ትጽቢት ይግበረልኩም።
- ምስ ፈጸምቲ እዞም ገበናት እዚኦም ተወሳኺ ርክብ እንተዘይብልኩም
- ብሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣብ ቤልጂዩም ዘለዉ ፍሉያት መቐበሊ ማእከላት ክትድገፉ እንተተሰማሚዕኩም፥
- ኣብ Brussels፦ PAG-ASA
- ኣብ ኣንትቨርፕ/Antwerp፦ PAYOKE
- ኣብ Liege፦ SÜRYA
ደገፍ ኣብ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ
እተን ሰለስተ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ እዚ ዝስዕብ ሓገዝ ንግድያት ይህባ፦
- ውሑስ መጽለሊ
- ሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ደገፍ
- ናይ ሕጊ ሓገዝ
ህጹጽ ሓገዝ የድልየኩም ድዩ፡ ወይ ኣብ ሓደጋ ዲኹም ዘለኹም? ናብ ናይ ህጹጽ ሓገዝ ቍጽሪ ተሌፎን 101 ወይ 112 ደውሉ።