ድሕነት ኣብ ማይ
ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ኣብ ቤልጅዩም ዉዑይ ኩነታት ኣየር እዩ ዘሎ፣ ሰባት ከኣ ናብ ማይ ብምእታው ነብሶም ከዝሕሉ/ከሐድሱ ይፍትኑ። ኵሉ ግዜ ኣብቲ ሓላው ህይወት/ሓምቢሱ ሰባት ዘድሕን ክኢላ ዘለዎ ማይ ጥራይ ሓምብሱ፣ ሓምቢስኩም ዘይትኽእሉ እንተድኣ ኰይንኩም ግና ናብቲ ማይ ገጽኩም ኣይትኺዱ።
ኣበይ ክትሕንብስ ትኽእል ፧
- መሐንበሲ ቦታታት
- ኣብ ትሕቲ ክትትል ዝሕንበሰሉ ቦታታት ኣብ ባሕሪ
- ኣብ ትሕቲ ክትትል ዝሕንበሰሉ መዘናግዒ ማእከላት
ኣብቲ ማያዊ ቦታታት ድሕነትካ ኣውሕስ
- ነኣሽቱ ህጻናት ተኸታተሎም። ኣብ ማያዊ ቦታታት ዝጻወቱ ወይ ዝሕንብሱ ህጻናት ተኸታተሎም።
- ምሕንባስ ዘይትኽእል እንተኾይንካ ካብ ምሕኩልትኻ ንላዕሊ ዝዓሙቕ ማይ ኣይትእቶ።
- በይንኻ ብፍጹም ኣይትሓንብስ። ዋላ’ውን ጽቡቕ ገይርካ ሓንቢስካ ትኽእል እንተኾይንካ፣ ኣብ ሓደጋ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ዒላ ምሕንባስ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ።
- እቲ መሬቱ ዘይጥጡሕ ክኸውን ስለዝኽእል፣ እቲ ማያዊ ዕምቆት ሃንደበት ክልወጥ ይኽእል እዩ።
- ዝሑል ማይ ቅርጥማት ክገብረልካ ይኽእል እዩ
- ኣብ’ቲ ማይ ካብ ዝርከቡ በላኽቲ ነገራት ተጠንቀቕ
- ኣብ ዕምቀቱ ዘይተፈልጠ ማያዊ ቦታ ነጢርካ ኣይትእቶ
ኣብ ባሕሪ ምሕንባስ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል
- ሓያል ማዕበል ከሽከዓካ ይኽእል እዩ
- ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ እቶም ቢጫ መንሳፈፍቲ ጽናሕ
- ካብ ማያዊ መፈንተቲ ኣብ’ቲ ባሕሪ ርሓቅ
ኣስተውዕለሉ ን ሕብሪ ናይ’ቲ ባንዴራ

- ቀጠልያ ባንዴራ: ክትሕንብስ ትኽእል ኢኻ
- ቢጫ ባንዴራ: ክትሕንብስ ትኽእል ኢኻ ግን ዘንሳፍፉን ዝንፍሑን ነገራት ኣብ’ቲ ማይ ምጥቃም ክልኩል እዩ
- ቀይሕ ባንዴራ: ምሕንባስ ክልኩል እዩ
ምሕንባስ ተመሃር
ኣብ ኩሉ መሐንበሲ ፑል ኣብ በልጀም፣ ናይ ምሕንባስ ትምህርቲ ንህጻናት ትሕቲ 12 ዝተዳለወ ኣሎ። ውላድኩም ኣብ ቤት-ትምህርታት እንኮላይ ምሕንባስ ክመሃር እዩ። ድሕሪ ዝተወሰኑ ትምህርታት ውላድኩም ብብቕዓት ክሕንብስ እንተኽኢሉ፣ ናይ መሐንበሲ ዲፕሎማ ክወሃብ እዩ ውላድኩም።
ልዕሊ 12 ዓመቶም ህጻናትን ዓበይቲን ኣብ’ቲ መሐንበሲ ፑል እንኮላይ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም።

ምሕንባስ ተመሃር