ቤልጂዩም 3 ዞባታት ኣለውዋ

ኣብ ቤልጂዩም፡ እቶም ተቐማጦ በብቲ ዝነብርሉ ቦታታት ቋንቋታት ፈረንሳ፡ ሆላንድ ወይ ጀርመን ይዛረቡ። እቶም ሰለስተ ዝተፈለላአዩ ዞባታት ማሕበረሰባት ተባሂሎም ይጽውዑ።

3 ማሕበረሰባት

ኣብ በልጅም፡ 3 ማሕበረሰባት ኣለዉ፥

  • እቲ Flemish (ፍላንደራዊ) ማሕበረሰብ፥ ቋንቋ ሆላንድ ዝዛረቡ ኣብዚ ይቕመጡ
  • እቲ ፈረንሳዊ ማሕበረሰብ፥ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረቡ ኣብዚ ይቕመጡ
  • እቲ ጀርመናዊ ማሕበረሰብ፥ ቋንቋ ጀርመን ዝዛረቡ ኣብዚ ይቕመጡ

ኣብ ብራስለስ፡ ህዝቢ ቋንቋ ሆላንድ ወይ ፈረንሳ ይዛረቡ

ብራስለስ ናይ ክልተ ቛንቋ ከተማ እያ። እቶም ኣብ ብራስለስ ቋንቋ ሆላንድ ዝዛረብ ኣካል እቲ Flemish (ፍላንደራዊ) ማሕበረሰብ እዮም እቶም ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረቡ ህዝቢ ድማ ኣካል እቲ ፈረንሳዊ ማሕበረሰብ እዮም።

ነፍሲወከፍ ኮም ናይ ገዛእ-ርእሱ መንግስቲ ኣለዎ

ነፍሲወከፍ ኮም፡ ብዛዕባ ጉዳያት ባህሊ፡ ቋንቋን ትምህርትን ዝውስን ናይ ገዛእ-ርእሱ መንግስቲ ኣለዎ።