ኣበይ ሽጋራ ክተትክኹ ትኽእሉ?

ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብ ህዝባዊ ህንጻታት፡ ኣብ ካፈታትን ኣብቲ መቐበሊ ማእከልን ሽጋራ ክተትክኹ ኣይፍቀድን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጎደናታትን ቴራሶታትን ክተትክኹ ትኽእሉ ኢኹም።

ነቲ ናይ ምትካኽ ክልከላ ዘይተኽብርዎ እንተኾይንኩም፡ ክትቅጽዑን ገንዘብ ክትከፍሉን ትኽእሉ ኢኹም። እዞም ናይ ገንዘብ ክፍሊታት እዚኦም ኣዝዩ ልዑል መጠን ዘለዎም እዮም። ናይ ሽጋራ ጭራማት ናብ ናይ ጎሓፍ ሳንኬሎታት እምበር ናብ ጎደና ኣይትደርብዩ።

ምግዛእ ትንባኾ ወይ ሽጋራ

ትንባኾ ወይ ሽጋራ ንምግዛእ እንተውሓደ ዕድሜኹም 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሸያጢ ንምርግጋጽ ናይ መንነት ሰነዳትኩም ክሓተኩም ይኽእል እዩ።