ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋትኩም/መሰልኩም ባዕልኹም ከምዘብቅዕ ንኽትገብሩ

ነቲ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ረኺብኩሞ ዝጸናሕኩም ወግዓዊ ተቐባልነት፡ ባዕልኹም ከምዘብቅዕ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት፡ ካብ ሃገርኩም እትሃድሙሉ ምኽንያት ደጊም የልቦን ዝብል ሓሳብ ምስዝህልወኩም።

ናይ ዕቑብ ስደተኛ ኵነተ-ሃለዋትኩም ከምዘብቅዕ እትገብሩሉ መገዲ?

  • ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ሰነዳት ናይ ትካል CGVS/CGRA ብኣካል ትቐርቡ።
  • ወግዓዊ መረጋገጺ ቃል ኣብ እትህቡሉ ሰነድ ኣዋጅ ክታምኩም ተንብሩ።
  • `ወረቐር ምስክር ምቍራጽ ኵነተ-ሃለዋት` ይወሃበኩም።