መንነት ዘለልዩ ሰነዳትን ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታትን
ከመይ ጌርኩም - መንነት ዘለልዩ ሰነዳትኩም ንኽምለሱልኩም ጠለብ ከተቕርቡ ትኽእሉ?
ናብዚ ኣድራሻ እዚ ናይ ኢ-መይል መልእኽቲ ስደዱ፦ cid.teruggavedocumenten@ibz.fgov.be ማለት፡ ብቛንቋታት ዳች፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን ወይ እንግሊዝ ልኣኹ። ጠለብካ/ኪ ህጹጽ ድዩ፧ ብኽብረትኩም ህጹጽ ምዃኑ ሓብሩ።
ኣብ ጠለበይ እንታይ ክጠቅስ ኣለኒ፧
ናብ መበቆል ሃገርካ/ኪ ክትምለስ ትደሊ እንተኾይንካ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ቲከት ክትቆርጽ ወይ ሓደ ዝተመልአ ናይ REAB ቅጥዒ ክተርእዩ ኣለኩም።
ነቶም ሰነዳት መኣስ ክወስዶም ይኽእል፧
ሰነዳትካ/ኪ ንምውሳድ ናይ ኢመይል ዕድመ ክቐርበልኩም እዩ። እዚ ብዙሕ መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ። እቲ ዕድመ ንስኻ/ኺ ናበይ ክትከዱ ከምዘለኩምን መኣስ ክትከዱ ከምዘለኩምን ይገልጽ እዩ።
ነቶም ሰነዳት መን ክወስዶም ይኽእል፧
ንስኻ/ኺ ንሰነዳትኩም ባዕልኹም ብኣካል ክትወድዎምን ከምዝተቐምልክምዎም ድማ ክትፍርሙን ኣለኩም። ይኹን እምበር ናይ ትሕቲ ዕድመ ደቅኹም ሰነዳት ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።
ብኣካል ክትመጽእ/ጺ ኣይትኽእሉን ዲኹም፧ ካልእ ሰብ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ሰብ'ዚ ስልጣን ዝተዋህቦ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ሓደ ጽሑፍ ሰነድ ኮይኑ ንስኻ/ኺ እዚ ሰብ'ዚ ንሰነዳትካ ክወስድ ፍቓድ ከምዝሃብካዮ ዘርኢ እዩ። እዚ ሰነድ'ዚ ንስኻ/ኺ ስለምንታይ ብኣካል መጺኻ ንሰነድካ ከምዘይወሰድካዮ'ውን ክገልጽ ኣለዎ።