ክራይ ገዛ ክንደይ ዝኣክል ገንዘባዊ ወጻኢታት ይውድእ?

ተቐባልነት ከም ዝረኸብኩም ዕቑባት ስደተኛታት ሰባት መጠን፡ እትነብሩሉ ቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወጻኢታት መነባብሮኹም እውን ባዕልኹም ክትሽፍኑ የድልየኩም፦ ናይ መግቢ፡ መሞቚ፡ መብራህቲ፡ ማይ ወዘተ። መጠን ናይ እትኸፍልዎ ወርሓዊ ክራይ ገዛ ልዑል ከምዘይከውን ምስእትገብሩ፡ ንመነባብሮኹም ዝኸውን እኹል መጠን ገንዘብ ክተርፈኩም ይኽእል።

ዘዋጽእ ናይ ክራይ ዋጋ ንገዛ እንታይ እዩ፧

  • ንሓደ ስድራኔት 2 ቆልዑ ዘለውዎ፡ ዘዋጽእ ክራይ ክሳብ 850 ዩሮ (ንወርሒ)፡ ንኣፓርታማ ወይ 2 መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ እዩ።
  • ንሓደ ንጽል ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፡ ዘዋጽእ ዋጋ ክራይ ክሳብ 500 ዩሮ (ንወርሒ) ንክፍሊ ወይ ስቱድዮ እዩ።
  • ኣብ ቤልጂዩም፡ መጠን ክራይ ገዛ ካብ ሓንቲ ከተማ ናብ ካልእ ኣዝዩ እዩ ዝፈላለ (ከምኡ`ውን ካብ ሓደ ከባቢ ናይ ከተማ ናብ ካልእ)

ኣካራዪ ከም ትሕጃ ናይ ክራይ ካብ ተኻራዪ፡ ክንዲ ናይ ሓደ ወርሒ ክራይ ገዛ ዝመጠኑ ተወሳኺ ይሓትት እዩ። ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ናይ ውሕስነት፡ ካብ ናይ 1 ወርሒ ክሳብ ናይ 3 ኣዋርሕ መጠን ክራይ ገዛ ይፈላለ። ትካል CPAS/OCMW ነዚ ትሕጃዊ ክፍሊት ናይ ክራይ ገዛ ንኸሕልፈልኩም ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ገንዘብ እዚ ግን ድሒርኩም ክትከፍልዎ ክትግደዱ ኢኹም።