ካብ ሓደ መንበሪ ቦታ ናብ ካልእ ምቕያር

ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ሓተትቲ ዕቝባ ካብ ሓደ መንበሪ ቦታ ናብ ካልእ ክቕይሩ ተኽእሎ ኣሎ ወይ ይግደዱ።

እቲ ን ዓለም-ለኻዊ ዕቝባዝምልከት መመልከቲኹም ክሳብ ዝምርመር ኣብ መቐበሊ ቦታ ከምእትጸንሑ እዩ ዝግበር።

ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኵነታት ኢኹም - ካብ ሓደ መንበሪ ቦታ ናብ ካልእ ክትቅይሩ እትኽእሉ?

  • እንተ ደኣ ንዓኹም (ወይ ኣባል ስድራ-ቤትኩም ንዝዀነ ሰብ) ምስ ኵነታት ጥዕና ዝኸይድ መንበሪ ቦታ ኣድልዩ።
  • ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳይኩም እቲ ዝተመደብኩሙሉ መቐበሊ ቦታ ንመሰረታውያን ጠለባትኩም ከማልእ ኣይክእልን እዩ ዝብል ሓሳብ ምስዝህልዎ (ንኣብነት፡ ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ብሓባር ክትኰኑ ምስእትደልዩ ወይ ኣብ መደብ ስልጠና ክትሳተፉ ትኽእሉ ምስእትዀኑ)።

ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኵነታት ኢኹም - ካብ ሓደ መንበሪ ቦታ ናብ ካልእ ክትቅይሩ እትግደዱ?

  • ኣብ'ቲ ንዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ዝምልከት መመልከቲኹም ውሳኔ ምስተዋህበኩም (ምዝዛም መስርሕ መርመራ ናይ መመልከቲኹም)
  • ሕጋጋት ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምስዘይተኽብሩ

ትካል ፌዳሲል፡ ብመሰረት እቲ ንምስግጋርኩም ምኽንያት ዝዀነ ጉዳይ፡ ከምኡ'ውን ብመንጽር ዘለዉኹም መሰረታውያን ጠለባትን ክርከብ ዝከኣል ናጻ ቦታን፡ ምሳኹም ዝኸይድ ካልእ መቐበሊ ቦታ ይመርጸልኩም። እዞ ድማ ንዓኹም ዝኸውን ሓድሽ መቐበሊ ቦታ ባዕልኹም ክትመርጹ ኣይትኽሉን ኢኹም ማለት እዩ