ሕጋዊ መትከላትን ማሕበራዊ ልምድታትን

መትከላትን ልምድታትን ኩሉ ሰብ ኣብ ፍሉት ኲነታት ከኸብሮም ዘለዎም ሕጋታት እዮም። ሓደ መትከል፡ ንስኻትኩም ክትገብርዎ ዘለኩምን ዘይብልኩምን ነገር ብንጹር እዩ ዘቐምጥ።

ሕጋዊ መትከላት

ኣብ ስርዓተ ሕጊ ዝተቐመጡ lመትከላት ሕጋዊ መትከላት እዮም። ኣብ በልጅም ክሎም ነበር ንሕግን ሕጋዊ መትከላትን ከኽብርዎም ኣለዎም። እንተድኣ ነዞም መትከላት እዚኦም ዘይትእዘዝዎም ኮይንኩም፡ መቕጻዕቲ ክትቀበሉ ትኽእሉ ኢኹም (ብገንዘብ፡ ብማእሰርቲ)።

ማሕበራዊ ልምድታት

ማሕበራዊ ልምድታት ኣብ ሕጊ ዘይሰፈሩ እዮም፡ ግን ነፍስ ወከፍ ሰብ ክትፈልጥዎምን ክተኽብርዎምን ይጽበየኩም። ምስዞም በልጅማዊ ልምድታት እዚኦም ገዛእ ርእስኹም ምልላይ ኣገዳሲ እዩ። እንተድኣ ነዞም መትከላትን ልምድታትን እዚኦም ዘይተኽብርዎም ኮይንኩም፡ ካልኦት ብዛዕባ ባህርያትኩም ብኣሉታ ክፈርድኹም እዮም።

ኣገደስቲ ሕግታት ባህሪ ኣብ በልጅም

  • ኣይትጨድሩ ወይ ዓው ኢልኩም ኣይትዛረቡ (ኣመና ዓውኒልካ ምዝራብ = ስነ ስርዓት ዘይብሉ)
  • ንካልኦት ሰባት ብዘይ ፍቓዶም ኣይትተንክፉ።
  • ኣብ ቆጸራ ደንጒኹም ኣይትምጽኡ። ክትመጹ ዘይትኽእሉ እንተኾንኩም ንሰባት ኣቐዲምኩም ኣፍልጥዎም።
  • ኣብ ቅሉዕ ቦታ ምሻን ብሕጊ ክልኩል እዩ። ጾርኩም ኣብ ሽቓቕ ጥራይ እምበር ኣብ ካልእ ቦታ ኣይተፋኹሱ።
  • ድሕሪ ሽቓቕ ምጥቃምኩም፥ ነቲ ሽቓቕ ብማይ ከምዝጸርግ ግበርዎን ኣእዳውኩም ተሓጸቡን።
  • ኣፍኩም ዓጺኹም ብልዑ ኣን ትበልዕሉ እዋን ከኣ ኣመና ልዑል ድምጺ ከይትገብሩ ፈትኑ።