ደቂ-ኣንስትዮን ሕጋዊ መስርሕ ዕቚባን

ቤልጅዩም ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽውሃበን ንዘመልክታ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ፍሉይ ኣቓልቦ ትህብ። ምስ CGVS/CGRA ኣብ ዝካየድ ቃለ-መሕትት፡ ንስኻትክን ከም ደቂ-ኣንስትዮ መጠን ጸጊሙክን ብዛዕባ ዝሃደምክናሉ ኵነታት ክትዛረባ ኣገዳሲ እዩ።

ንስኺ ከም ጓለንስተይቲ መጠን ከምዞም ዝስዕቡ ዝኣመሰሉ ጸገማት ገጢሞምኺ ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፥

ብዛዕባ ዘሕለፍክናኦምን ዘለዉኽንን ጸገማት ምስ ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳይክን ድዩስ ምስ ጠበቓኽን፡ ከምኡ'ውን ምስ'ታ ቃለ-መሕትት እተካይደልክን ናይ CGVS/CGRA ሰራሕተኛ ዕቝባ ክትዘራረባ ኣገዳሲ እዩ። ትካል CGVS/CGRA ነዚ ኣብ ውሳኔኡ - ኣብ ግምት ከእትዎ እዩ።

ቃለ-መሕትት ብወዲ-ተባዕታይ ወይ ብጓለ`ንስተይቲ

ዛንታኺ ንወድተባዕታይ ድዩ ወይስ ንጓለንስተይቲ ምንጋር እዩ ዝኸብደኪ፧ ብዛዕባ ወዲ'ተባዕታይ ዶ ወይስ ጓለ'ንስተይቲ ሰራሕተና ዕቝባ ከምኡ'ውን ተርጓሚ/ት ዝርርብኢኽን ትመርጻ፡ ንትካል CGVS/CGRA ዝድላይክን ሕተታ። ትካል CGVS/CGRA ንጠለብክን ኣብ ግምት ከእትዎ ክፍትን እዩ። ንኽሕግዘኪ ንማሕበራዊ ሰራሕተኛኺ ሕተትዮ።