ንስድራቤትካ/ኪ ትደሊ ኣለኻ/ኺ

ቀይሕ መስቀል፡ ኣባላት ስድራቤትኩም ኣብ ምድላይ ይሕግዝኹም እዮም። ቀይሕ መስቀል ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ካልእ ናይ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ማሕበራት፣ ከምኡ'ውን ምስ ኣብ ናይ ግጭት ዞባታት ዘለዉ ፍሉያት ወከልቲ ይተሓባበር።

እቲ ናይ ቀይሕ መስቀል ኣገልግሎት 'Restoring Family Links (ምምላስ ርክባት ስድራቤት)' ኣባላት ስድራቤት ድሕሪ ስደት፡ ዕጥቃዊ ግጭት፡ ማህርያዊ ዕንወት ወይ ሰብኣዊ ዕንወት ንምርካብ ይሕግዘኩም። እቲ ኣገልግሎት ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።

ምምላስ ርክባት ስድራቤት እዚ ዝስዕብ ሓገዝ ይገብረልኩም፥

  • ዝጠፍኡ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ምድላይ
  • ምስ ኣባላት ስድራቤት ዝነበረ ርክብ ዳግም ምምስራት

ኣብ ናይ ግጭት ዞባ ምስ ዘለዉ ስድራቤት ርክብ ኣብ ምፍጣር

ኣብ ናይ ግጭት ዞባታት፡ ናይ ርክብ መስመራት ከም ተሌፎን፡ ፖስታን ኢንተርነትን መብዛሕትኡ ግዜ ኣይሰርሑን እዮም። ብመንገዲ መልእኽትታት ቀይሕ መስቀል፡ ቀይሕ መስቀል ኣብ መንጎ'ቲ ብኵነተ-ምጥፋእ-ደሃይ ዝተጸልወ ከባብን እቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለምን፡ ዳግማይ ርክብ ንኽምስረት ይሕግዝ።