ዓበቕ

ኣብ ሓደ ህንጻ ምስ ብዙሓት ሰባት ተኣኪብኩም ኣብ እትነብርሉ እዋን፡ ከም ዓበቕ ብዝበሉ ተላገብቲ ሕማማት ክትጥቅዑ ተኽእሎ ኣለኩም።

ዓበቕ ፧
ዓበቕ ተላባዓይ ሕማም ቆርበት ኮይኑ ናይ ዓበቕ ዘምጽእ ደቒቕ ሓሰካ እዩ ድማ ጠንቁ። ናይ ዓበቕ ጠንቂ ዝኾነ ሓሰኻ ኣዝዩ ደቒቕ ካብ ምዃን ብባዶ ዓይኒ ክርአ ኣይከኣልን እዩ። 

ሕኸኽ፣ ምልክት ናይ ዓበቕ

ምልክታት ፧
ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘገድስ ምልክት ሕኸኽ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ 2 ክሳብ 6 ሰሙን ድሕሪ መልከፍቲ ድማ ይምዕብል። እዚ ሕኸኽ ምሸት ወይ ድማ ኣብ ማሙቕ ኣብ ዝኾንካሉ ግዜ እዩ ዝብርትዕ።

መልከፍቲ ብኸመይ የጋጥም ፧ 
ዓበቕ ምስ ዘለዎ ሰብ ጽዑቕ ኣካላዊ ምቅርራብ እንተለካ ክትልከፍ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣካላዊ ክንክን ናይ ሓደ ውልቀሰብ ኣካላት፣ ጾታዊ ርክብ ወይ ድማ ዓራትን ክዳውንቲ ምክፍፋል የጠቓልል።

እዞም ቁስልታት ኣበየናይ ክፋላት ኣካላት የጋጥሙ ፧ 
እቲ ጠንቂ ዓበቕ ዝኾነ ሓሰኻ ኣብ መንጎ ኣጻብዕቲ፣ ኣብ ውሽጣዊ ክፋል ጉንቦ ኢድ፣ ደጋዊ ክፋል ኩርናዕ ኢድ፣ ኣብ ቱሽቱሽ፣ ኣብ መዓኮርን ሰለፍን፣ ኣብ ከባቢ ህምብርቲ፣ ኣብ ኣእጋር ከምኡ’ውን ኣብ ብልዕቲ ዝርከብ ቆርበት ፍሒሩ ምንባር ይመርጽ።

ናይ ዓበቕ ቁስልታት

ዓበቕ ሕክምናኡ ከመይ እዩ ፧
ዓበቕ ብተፈጥሮ ባዕሉ ዝሓውይ ሕማም ኣይኮነን፣ ግን ሕክምና ኣለዎ።

  • ኣካል ናይ ሕክምና ዓበቕ ኣብ ምሉእ ነብስኻ ሓደ ክሬማ ምልካይን ዝተወሰኑ ስጉምታት ጽሬት ምኽታልን የጠቓልል። እዚ ክሬማ ብሓኪም ክእዘዘልካ ጥራይ እዩ ዝከኣል።
  •  መብዛሕቲኡ ግዜ 1 ሕክምና እኹል እዩ። ብርቱዕ ሕማም ኣብ ዘለዎ እዋን ወይ ድማ ፋልማይ ኣጠቓቕማ መድሃኒት ግቡእ ምዃኑ ኣብ ዘጠራጥረሉ እዋን፣ እቲ ሕክምና ድሕሪ 1 ሰሙን ይድገም እዩ።

ኣብ ሓደ ገዛ ወይ ክፍሊ ዝቕመጡ ዋላ’ውን ምልክታት ኣይሃልዎም ኩሎም ብሓባር ክሕከሙን ኩሎም’ውን ነቶም ስጉምታት ጽሬት ክኽተሉን ኣድላዪ እዩ።

ስጉምታት ጽሬት ምኽታል 
ነዚኦም ስጉምታት ጽሬት ተኸተሉ ቅድሚ ነቲ ክሬማ ምልካይ:

  • ኩሉ ኣጭርቕቲ ዓራትን ኣብ ዝሓለፉ 3 መዓልታት ዝተኸደንካዮም ክዳውንቲን ድሕሪ ምሕጻብ ኣብ ክሳብ 60°C ወይ ልዕሊኡ ዝፈልሐ ማይ ምጥጣቕ።
  • ክሕጸቡ ዘይክእሉ ክዳውንቲ፣ ባምቡላታት፣ ጫማታትን ሸበጥን ኣብ ዕጹው ፌስታል ቦርሳ ክዕሸጉ ኣለዎም። ነዞም ቦርሳታት ን 3 መዓልታት ከይኸፍትካ ምጽናሕ፣ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ማእከላይ ክፍሊ ሙቐት ምዕቓብ።
  • ነዞም ክዳውንቲን ጫማታትን ኣብ ዕሹግ ቦርሳታት ብምዕጻው ኣብ በረድ ፍሪጅ ኣብ 20°C ን12 ሰዓታት እውን ከተንብሮም ትኽእል ኢኻ።


ነቲ ክሬማ ተለኸዮ

  • ኣጽፋርካ ኣሕጺርካ ስደዶ፣ ኣብ ትሕቲ ኣጽፋርካ ድማ ኣጽርዮ።
  • ዘለካ መሸላለሚን ሰዓትን ኣልግሶ።
  •  ኣብ ምሉእ ክፋል ኣካላትካ ድማ ተለኸዮ ፣ ካብ መንከስካ ክሳብ መርገጺ እግርኻ። ኣብ ትሕቲ ኣጽፋርካ፣ ኣብ ቆርበት ዝዕጸፈሉ ክፋላት፣ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ናይ ኢድካን እግርኻን ኣጻብዕቲ ምልካይ ኣይትረስዕ።
  • ንካብ 2 ወርሒ ክሳብ 2 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ፣ ኣብ ርእሶምን ገጾምን እንኮላይ ልኸዮም (ኣብ ከባቢ ኣፎምን ዓይኖምን ቁስሊ እንተዘየለ ነዞም ቦታታት ኣወግዶም)።
  • ኣብ ሕቆኻ ካልእ ሰብ ይልከየካ።
  • ነቲ ክሬማ ኣብ ኣካላትካ ን 12 ሰዓታት ተለኺኻ ግደፎ
  • ንህጻናት ክሬማ ድሕሪ ምልካይካ፣ ካልሲ ወይ ጋንቲ ገይርካ ኣእዳዎም ብምሽፋን እቲ ክሬማ ኣብ ኣፎም ካብ ምእታው ተኸናኸን።
  • ነቶም ህጻናት ድሕሪ ምሕጻብካ፣ ነቲ ክሬማ ደጊምካ ኣብ ኣእዳውካ ተለኸዮ።
  • ድሕሪ ነፍስወከፍ ምጥቃም ሽንቲቤት ከባቢ ብልዕቲኻን መዓኮርካ ደጊምካ ክሬማ ተለኸዮ።
  • ንካልእ ሰብ ነቲ ክሬማ ምልካይ ትሕግዝ እንተለኻ፣ ክዳውንቲ ኣብ ቦርሳ ዓሽጎ ወይ ድማ ናብ ፒጃማ ቀይር፣ ነዊሕ ኣእዳው ዘለዎ ኤፕሮን/ግርምብያለ ምስ ዝጎሓፍ ጓንቲ ልበስ።


ነቲ ክሬማ ድሕሪ ምልካይካ

  • ጽሩይ ክዳውንቲ ተኸደን፣ ናይ ዓራትካ ኣንሶላን ኮቦርታን ድማ ቀይር።
  • ድሕሪ 12 ሰዓታት ነብስኻ ተሓጸብ፣ እንደገና ድማ ጽሩይ ክዳውንቲ ተኸደን።  
  • እቲ ሕክምና/መድሃኒት ምሸት እንተጀሚርካዮ፣ ናይ ዓራት ኣንሶላታት ንጽባሒቱ ደጊምካ ቀይሮም።

ብዛዕባ እቲ ሕኸኽ ከ እንታይ ክግበር ይከኣል ፧
ድሕሪ ምጅማር ሕክምና በቲ ክሬማ ኣብ’ቲ ፋልማይ ሰሙን፣ ብሰንኪ ኣለርጂ ኣንጻር እቲ ሓሰኻ፣ እቲ ሕኸኽ ክጋደድ ይኽእል እዩ። እቲ ሕኸኽ ን4 ሰሙን ክቕጽል ይኽእል።

መለስለሲ ክሬማ ወይ ጸረ ሕኸኽ ዝኾነ መድሃኒት ግዝያዊ እፎይታ ክህብ ይኽእል እዩ። ግን እቲ ሕኸኽ እንተቀጺሉ፣ ቁስሊ እንተተበራቲዑ ወይ ሓዲሽ ቁስሊ እንተስዒቡ፣ ናብ ሓኪምካ ምምላስ ኣድላዪ ይኸውን። ሓኪምካ ደጊምካ ነቲ ሕክምና/መድሃኒት ክትወስዶ ክውስን ይኽእል።