መዕቆቢ ወይ መጽለሊ የድልየኩም ዶ?

ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንኽትዕቈቡ መሰል ዶ የብልኩምን ከምኡ'ውን ክትድቅሱሉ እትኽእሉ ውሑስ ዝዀነ ቦታ/ኣከባቢ ዶ ኸ ትደልዩ ኣለኹም? ኣብ ቤልጅዩም፡ ዝተፋላለያ ንጽጉማት ሰባት ዝሕግዛን መጽለሊ ዝህባን ትካላት ኣለዋ።

እዘን ቤት-ኣልቦ ንዝዀኑ ሰባት ዝሕግዛ ትካላት እዞም ዚስዕቡ ዓይነት ኣገልግሎታት ይግባ፦

  • መደቀሲ ቦታ
  • መሕጸቢ ኣካላትን ናውቲ ጽርየትን
  • ክዳውንትኹም እትሓጽብሉ መሕጸቢ ክዳን/ላንውድሪ ማሽን
  • መግቢ
  • ዕጹው መቐመጢ ከብሒ ንብረት
  • ደገፍ

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ቤልጅዩም፡ ቤት-ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት ርእሶም ከውድቑሎም/ክድቅሱሎም ዝኽእሉ ቦታታት ኣለዉ። ኣብ ግዜ ሓጋይ፡ ማለት ኣብ`ቲ ኣብ ቤልጅዩም ዛሕሊ ዝለዓለሉ ወቕቲ፡ ተወሰኽቲ ቦታታት መቐበሊ ኣጋይሽ ክርከቡ ዝከኣል እዩ። ኣብ ጐደና ዝነብሩ ሰባት ናብ`ዞም ቦታታት ኣትዮም ክሓድሩ ይኽእሉ እዮም።

ናበይ ከምእትኸዱ ኣይትፈልጡን?

ኣብ ከባቢኹም ናብ ዝርከብ ቦታ ናይ CPAS/OCMW ወይ CAW ኪዱ። ክሕግዙኹምን ናብ መዕቈቢ ናይ ቤት-ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት ክመርሑኹምን እዮም።

ኣብ Brussels ዝርከቡ ናይ ቤት ኣልቦ መዕቆቢታት

ኣብ ብራስልስ ርእስኹም እተውድቑሉ/ትድቅስሉ ቦታ ምስእትደልዩ፡ ናብ SamuSocial ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። 

  • ክትድቅሰሉ እትኽእል ቦታ ብኢንተርነት ተመዝገቡ፦ https://0800.samusocial.be
  • ወይ ድማ ብነጻ ቁጽሪ ተሌፎን 0800/99 340 (ካብ ሰዓት 10ቅ.ቀ ክሳብ 4ድ.ቀ) ትድቅሱሉ ቦታ ንምምዝጋብ ደውሉ። 

ኣካላትኩም ንኽትሕጸቡ፡ ክዳውንትኹም ንኽትሓጽቡ ወይ ጸጕሪ-ርእስኹም ንኽትቅምቀሙ፡ ናብ DoucheFLUXክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።