መዕቆቢ ወይ መጽለሊ የድልየኩም ዶ?
ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንኽትዕቈቡ መሰል ዶ የብልኩምን ከምኡ'ውን ክትድቅሱሉ እትኽእሉ ውሑስ ዝዀነ ቦታ/ኣከባቢ ዶ ኸ ትደልዩ ኣለኹም? ኣብ ቤልጅዩም፡ ዝተፋላለያ ንጽጉማት ሰባት ዝሕግዛን መጽለሊ ዝህባን ትካላት ኣለዋ።
እዘን ቤት-ኣልቦ ንዝዀኑ ሰባት ዝሕግዛ ትካላት እዞም ዚስዕቡ ዓይነት ኣገልግሎታት ይግባ፦
- መደቀሲ ቦታ
- መሕጸቢ ኣካላትን ናውቲ ጽርየትን
- ክዳውንትኹም እትሓጽብሉ መሕጸቢ ክዳን/ላንውድሪ ማሽን
- መግቢ
- ዕጹው መቐመጢ ከብሒ ንብረት
- ደገፍ
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ቤልጅዩም፡ ቤት-ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት ርእሶም ከውድቑሎም/ክድቅሱሎም ዝኽእሉ ቦታታት ኣለዉ። ኣብ ግዜ ሓጋይ፡ ማለት ኣብ`ቲ ኣብ ቤልጅዩም ዛሕሊ ዝለዓለሉ ወቕቲ፡ ተወሰኽቲ ቦታታት መቐበሊ ኣጋይሽ ክርከቡ ዝከኣል እዩ። ኣብ ጐደና ዝነብሩ ሰባት ናብ`ዞም ቦታታት ኣትዮም ክሓድሩ ይኽእሉ እዮም።
ናበይ ከምእትኸዱ ኣይትፈልጡን?
ኣብ ከባቢኹም ናብ ዝርከብ ቦታ ናይ CPAS/OCMW ወይ CAW ኪዱ። ክሕግዙኹምን ናብ መዕቈቢ ናይ ቤት-ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት ክመርሑኹምን እዮም።
ኣብ Brussels ዝርከቡ ናይ ቤት ኣልቦ መዕቆቢታት
ኣብ ብራስልስ ርእስኹም እተውድቑሉ/ትድቅስሉ ቦታ ምስእትደልዩ፡ ናብ SamuSocial ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።
- ክትድቅሰሉ እትኽእል ቦታ ብኢንተርነት ተመዝገቡ፦ https://0800.samusocial.be
- ወይ ድማ ብነጻ ቁጽሪ ተሌፎን 0800/99 340 (ካብ ሰዓት 10ቅ.ቀ ክሳብ 4ድ.ቀ) ትድቅሱሉ ቦታ ንምምዝጋብ ደውሉ።
ኣካላትኩም ንኽትሕጸቡ፡ ክዳውንትኹም ንኽትሓጽቡ ወይ ጸጕሪ-ርእስኹም ንኽትቅምቀሙ፡ ናብ DoucheFLUXክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።