ብሕትውና

ኣብ ቤልጅዩም፡ መሰል ብሕትውናኹምን ስድራ-ቤታዊ ህይወትኩምን ሕሉው እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ውልቃዊ ህይወትኩም ኢዱ ከእቱ ዝኽእል፡ ኣብ ፍሉያት ኵነታት ጥራይ እዩ፤ ንኣብነት፡ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ እትደልዩሉ ኵነታት ምስእትህልዉ።

ሞያዊ ምስጢራውነት

ምስጢርኩም ንዶክተርኩም ወይ ንናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያትከተካልፍሉ ትኽእሉ ኢኹም። ንእትነግርዎ ምስጢር ንኻልእ ሰብ ክነግርዎ ኣይክእሉን እዮም። ንዝተቐየዱሉ ሞያዊ ምስጢራውነትከፍርሱ ዝግደዱ፡ ዝምልከቶ ሰብ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ዝደልየሉ ኵነታት ምስዝወድቕ ጥራይ እዩ።

ደረቕን ተንቀሳቐስትን ኣሳእል

ምስልኹም ዘለዎም ደረቕን ተንቀሳቐስትን ኣሳእል፡ ብመንጽር ንዕኦም ዝምልከቱ መሰላትኩም እዮም ዝተሓዙ። እዚ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክሰኣል እንተዀይኑ፡ ናቱ ፍቓድ ክርከብ ግዴታዊ ይኸውን ማለት`ዩ። ሰባት ደረቕ ይኹን ተንቀሳቓሲ ስእሊ ናትኩም ክቐርጹ እንተደልዮም፡ ኩሉ ሳዕ ፍቓድ ክሓቱኹም ይግባእ።

ሰባት ደረቕ ይኹን ተንቀሳቓሲ ስእሊ ናትኩም ንኽቐርጹ ፍቓድ ሂብኩሞም ማለት ከኣ ንኽጥቀሙሎም ይኹን ንኻልኦት ሰባት ንኽህብዎ ኣፍቂድኩሙሎም ኣለኹም ማለት ኣይኰነን።

እዚ ምግባር ድማ ፍቓድ ናይ`ቲ ዝተሳእለ ሰብ ምርካብ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

ስእሊ ምቕራጽ

ንዓኹም ዝምልከት ውልቃዊ ሓበሬታ

ሰባት ንዓኹም ዝምልከት ውልቃዊ ሓበሬታ ክእኽቡ ኰነ ክጥቀሙሉ ወይ ናብ ካልኣ ኣካል ከሰጋግርዎ ዝኽእሉ፡ ከምኡ ንኽገብሩ ንጹር ፍቓድ ምስሃብኩሞም ጥራይ እዩ። ኣብ ገለ ጉዳያት፡ ገለ ትካል ናትኩም ፍቓድ ዘይከድልዮ ዝከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ መንግስታዊ ኣካል ብዘይ እዚ ንዓኹም ዝምልከት ሓበሬታ ስርሑ ከሰላስል ዘይክእል ምስዝኸውን ወይ ድማ ሕጊ ከምኡ ንኽገብር ዘፍቅደሉ ምስዝኸውን።

ገለ ኣብነታት፥

  • ን DVZ/OE ከምኡ`ውን ን CGVS/CGRA እትህብዎ ሓበሬታ
  • ኣካላዊ ናይ ማሽን ተፍትሽ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ (ምስ ጸጥታዊ ጉዳያት ዝተኣሳሰር)
  • ምስ መጥባሕቲ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ዓይነት ደምኩም ምሕባር (ምስ ጥዕናዊ ጉዳያት ዝተኣሳሰር)

መሰላቶም

ንምእካብ ሓበሬታኹም፡ ንምጥቃሙ ይኹን ናብ ካልኣ ኣካል ንምስግጋሩ ብዝምልከት ፍቓድ ሂብኩም ጸኒሕኩም፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ነቲ ሂብኩሞ ዝጸናሕኩም ፍቓድ ከተፍርስዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እቲ ንዓኹም ዝምልከት ውህሉል ሓበሬታ ከምዝድምሰስ ክግበር እዩ።

ንዝዀነ ይኹን ትካል፡ ከመይ ዝኣመሰለ ንዓኹም ዝምልከት ሓበሬታ ከምዝሕዝ ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ንዓኹም ዝምልከት ውህሉል ሓበሬታ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መዓላ ከምዝውዕል እውን ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ዝዀነ ይኹን ትካል ነዚ ብዝምልከት ሓበሬታ ንኽህበኩም ግዴታ ኣለዎ።

መንበሪ ገዛኹምን ጽሑፋዊ ርክባትን

መንበሪ ገዛኹም ኰነ እቶም እትገብርዎም ናይ ጽሑፍ ርክባት ውልቃውያን ሕዛእትኹም እዮም። መንግስቲ ኣብ`ዚ ጣልቃ ክኣቱ ዝኽእል፦

  • ህዝባዊ ድሕነት ወይ ቍጠባዊ ጥዕና ኣብ ሓደጋ ምስዝኣቱ
  • ገበናዊ ተግባር ንምክልኻል
  • ጥዕና፡ ሞራላዊ ኵነታት፡ መሰላትን ናጽነትን ናይ ካልኦት ሰባት ንምኽባር