ባቡር፡ ትራም (ናይ ከተማ ባቡር ኤለክትሪክ) ወይ ኣውቶቡስ ምጥቃም

ኣብ ቤልጂዩም፡ ብቐሊሉ ብባቡር፡ ብትራም ወይ ብኣውቶቡስ ክትጉዓዙ ትኽእሉ። ቅድሚ ምስፋርኩም ኩሉግዜ ቲከት ግዝኡ።

ኣየነይቲ ባቡር፡ ትራም ወይ ኣውቶቡስ ክትወስዱ ከምዘለኩም ብኸመይ ትፈልጡ?

  • ንርሑቕ መገሻ ወይ ካብ ሓንቲ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ንምጕዓዝ፦ ባቡር ተጠቐሙ
  • ንሓጺር ጕዕዞ፦ ኣውቶቡስ ተጠቐሙ
  • ኣብ ብራስለስ፦ ባቡር፡ ትራም (ናይ ከተማ ባቡር ኤለክትሪክ) ወይ ኣውቶቡስ ተጠቐሙ

ቅድሚ ምስፋርኩም ብቑዕ ቲከት ከምዘለኩም ኣረጋግጹ። ብዘይ ቲከት ክትጓዓዙ ምስእትርከቡ ዝውሃበኩም ገንዘባዊ መቕጻዕቲ፡ ኣብ በልጅም ኣዝዩ ልዑል እዩ (ክሳብ €500 ይበጽሕ)። 

ትኬት ናይ ባቡር ምዕዳግ

ትኬት ኣበይ ክትገዝኡ ትኽእሉ?

ትኬት ካብ ኣውቶማቲካዊት

  • ማሽን መሸጣ ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም
  •  ኣብ ፌርማታ ካብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት መሸታ ትኬት
  • ብመገዲ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ

ናብ ባቡር ወይ ትራም ምደየብኩም እውን ኢድ ከይተንከፍኩም ክፍሊት ክትፍጽሙ ትኽእሉ ኢኹም።

ንቲከትኩም ሕጋዊ ክትገብርዎ ኣለኩም! ብትራም፡ ብኣውቶቡስ ወይ ብመጓዓዝያ ናይ ትሕቲ ምድሪ ዲኹም ትጉዓዙ ዘለኹም? ናብ መጓዓዝያ ትሕቲ ምድሪ፡ ኣውቶቡስ ወይ መደበር መጓዓዝያ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ትኣትውሉ፡ ኩሉ ግዜ ንቲከትኩም ስካን ግበርዎ/ስኣሉዎ።

ትኬት ከምዝሓዝኩም ንምርግጋጽ ክትሕተቱ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል እዩ።

ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ትቕመጡ ኣለኹም

ከም ደለይቲ ዕቚባ መጠን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ትቕመጡ እንተዄንኩም፡ ካብቲ ናትኩም ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት ናጻ ትኬት ንኺወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም - ማለት በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት፦

  • ንናይ ዕቚባ መመልከቲኹም ክትብሉ ናብ ቆጸራ (ቃለ-መሕትት) ክትከዱ ኣብ እትደልይሉ
  • መንበሪ ቦታ ኣብ እተናድይሉ
  • ናይ ስልጠና ኮርስ ኣብ እትከታተልሉ
  • ሕክምናዊ ቆጸራ ኣብ ዝህልወኩም

ናይ ጉዕዞ ይሕለፍ ኣብ ኣውቶቡስ

እንተድኣ ኣብ ፋላንደርስ ትነብሩ ኮይንኩም፡ እቲ ናትኩም ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳይ ን1 ዓመት ዝኸውን ናይ ጉዕዞ ይሕለፍ፡ ብውሑድ መጠን ክትገዝኡ ሓሳብ ከቕርብልኩም ይኽእል። እዚ ካብ ብዙሕ ቲከታት ምግዛእ ኣዝዩ ዝሓሰረ እዩ። ኣብ ፍላንደርስ፡ ከም ሓተቲ ዕቚባ መጠን፡ ኣብቲ ናይ ጒዕዞ ይሕለፍ ናይ ዋጋ ምጕዳል ይግበረልኩም እዩ። ኣብ ዋሎንያ ኣብ ናይ ጒዕዞ ይሕለፍ ናይ ዋጋ ምምጕዳል ኣይግበረልኩምን እዩ።

ንጉዕዞኹም ጸብጽብዎ

ንጉዕዞኹም ንምጽብጻብ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽናት/ዝውተራታት ኣለዉ። ንሳቶም፡ ኣየነይቲ ኣውቶቡስ፡ ትራም ወይ ባቡር ክትጥቀሙ ከምዘለኩም'ውን የርእይኹም።