ኣኽብሮት ንሰባት፡ እንስሳታትን ተፈጥሮን

ኣብ ቤልጅዩም ኣኽብሮት ሓደ ኣገዳሲ መሰረታዊ ክብሪ እዩ። ንሕጊ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ እንስሳታትን ንብረትን ክተኽብሩ ኣለኩም።

ተመሳሳልነታትን ፍልልያትን

ሃገር ቤልጂዩም ነቶም ናይ ሓባር መሰረታውያን ክብርታትን መሰላትን ከተኽብሩ እያ ትጽቢት እትገብረልኩም። ከምኡ'ውን በልጅም ንፍልልያት ክተኽብሩ ትጽበየኩም፥ ሰባት ዝተፈላለየ ኣነባብራ፡ ናይ ምብላዕ ባህልታት፡ ኣከዳድና፡ ሃይማኖት ኣለዎም።

ኣኽብሮት ንሕጊ

ነፍስ ወከፍ ሰብ ነቲ ኣብ በልጅም ዘሎ ሕጊ ክፈልጦን ብእኡ ክቕየድን ይግደድ።

ኣኽብሮት ንሰባት (ዓበይትን ቆልዑን)

  • ንኻልኦት ሰባት ክትጎድኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም (ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ከምኡ'ውን ወሲባዊ ጎነጽ ብሕጊ ክልኩል እዩ)።
  • ንኻልኦት ሰባት ክተግልሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም (ኣድልዎን ኣፈላላይ ዘርእን ብሕጊ ክልኩል እዩ)።
  • ናይ ካልኦት ሰባት ናይ ድቃስ ሰዓታት ኣኽብሩ (ኣብ ለይቲ ጫውጫው ምባል ክልኩል እዩ)።
  • ናይ ካልኦት ሰባት ግላውነት ኣኽብሮ (ናይ ካልት ሰባት ስእሊ ክተልዕሉን ብዘይ ፍቓዶም ክትዝርግሑን ኣይትኽእሉን ኢኹም)።
  • ንሓድሕድኩም ተኸባበሩ (ኣብ ኣውቶቡስ ንጥኑሳትን ኣረጋውያንን ካብ መንበር ተስእሎም)።
  • ቆጸራ እንተልይኩም ኣኽብሮት ኣርእዩን ኣብ ግዜኹም ተረኸቡን።

ኣኽብሮት ንእንስሳታትን ንብረትን

  • ናይ ካልት ሰባት ንብረት ወይ ህንጻ ክተዕንዉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
  • ንእንስሳታት ክትከናኸንዎም ኣለኩም (ማይ፡ ምግቢ፡ መጽለሊ) ከምኡ ድማ ኣንጻሮም ጎነጽ ክትጥቀሙ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
  • ንጎሓፍ ኣብ ናይ ጎሓፍ ሳንኬሎ እምበር ኣብ ህዝባዊ ጽርግያታት ኣይትደርብዩ።
  • ናይ ካልኦት ሰባት ግላዊ ንብረት ኣኽብሩ። ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ጀርዲን ክትሸኑ፡ ጎሓፍ ክትድርብዩ፡ ዕምባባ ክትቆርጹ ወይ ኣብኡ ኮይንኩም ክትበልዑ ኣይትኽእሉን ኢኹም።