መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት ዲኹም?

ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት (ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም) ዲኹም፡ ከምኡ'ውን ናብ ቤልጅዩም ብዘይ ወላዲ ወይ ሕጋዊ መጕዚት ዲኹም መጺእኩም? ከምኡ ምስ እንተኾኑ፡ ብዘይ መሰነይታ ከም ዝመጹ ወጻእተኛታት ትሕዝቲ-ዕድመ መእሰያት/ህጻናት ክትቍጸሩ ኢኹም።

ናብ ቤልጂዩም መሰነይታ ዘይብሉ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰይ ወይ ህጻንኴንካ ዲኻ ኣቲኻ? ርእስኻ ክኢልካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ`ዚ፡ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣለዉ፦ሕጋዊ/ት መጕዚትክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዝነጥፉ ተቘጻጸርቲ። ብዛዕባ መጻኢኻ ግቡእ ውሳኔ ንኽትወስድ ይሕግዙኻን ውሑስ ኣከባቢ ይፈጥሩልካን።

ኣብ ቤልጂዩም፡ ዕድሚኡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዀነ ሰብ ከም ትሕቲ-ዕድመ እዩ ዝቝጸር። ዕድሚኡ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዀነ ሰብ ድማ ከም በጽሒ/ጐርዞ ይውሰድ። እንተ ደኣ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ወይ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ብዛዕባ ዕድሜኻ ገለ ጥርጥር ሃልይዎም፡ ሕክምናዊ መርመራ ናይ ዕድመንኸተካይድ ክሓቱኻ ይኽእሉ እዮም።

ብዘይ መሰነይታ ዝመጸ ወጻእተኛ ትሕቲ-ዕድመ መእሰይ ወይ ህጻን

ዕድሜኻ (ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ምዃንካ) ኣገዳስነት ዝህልዎ ስለምንታይ እዩ?

  • ምስ መስርሕጉዳይካ ብዝተኣሳሰር። ብዘይ መሰነይታ ከም ዝመጻእካ ወጻእተኛ ትሕቲ-ዕድመ መእሰይ ወይ ህጻን መጠን፡ ንዓኻ ዝምልከት መስርሕ ሕቶ ዕቝባ፡ ወይ መስርሕ ጠለብ ፍሉይ መንበሪ ፍቓድከተበጋግስ ትኽእል ኢኻ።
  • ምስ ዝወሃበካ ቅለሳዊ ምኽሪብዝተኣሳሰር። ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት፡ ብዝተኽእለ መጠን - ኣብ ዝሓጸረ እዋን፡ ሕጋዊ/ት መጕዚት ክምድበልካ እዩ። መጕዚትካ፡ ዕድሜኻ 18 ዓመት ክሳብ ዝመልእ ክ(ት)ሕግዘካን ኣብ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኻ ንዓኻ ወኪሉ/ላ ክ(ት)ቀርብን እዩ/ያ። ብዛዕባ መስርሕ ጉዳይኩም ንምዝታይ ሕጋዊ/ት መጕዚት ተሰኒኹም ናብ ጠበቓ ክትከዱ ኣገዳሲ እዩ።
  • ብዛዕባ ናትካ መንበሪ ቦታ። ብዘይ መሰነይታ ከም ዝመጻእካ ወጻእተኛ ትሕቲ-ዕድመ መእሰይ ወይ ህጻን መጠን፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽምስ መዛኑኻ ክትቅመጥ ኢኻ። ብዛዕባ ጉዳይ መግቢ፡ ክዳን፡ ትምህርትን ግዜ ዕረፍትን ዝመጸ፡ ተቘጻጸርቲ ክተሓጋገዙኻ እዮም።
  • ብዛዕባ ርክብ ምስ ስድራ-ቤትካ። መጕዚትካን ተቘጻጸርትኻን ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ (ዳግማይ) ርክብ ንኽትምስርት ክሕግዙኻ እዮም።

ሓደጋ ኣንጸላልዩካ ዶ ኣሎ እዩ? ናብ ናይ ፖሊስ ናይ ህጹጽ ሓገዝ ቍጽሪ ተሌፎን ደውል፦ 112 ወይ 101