ቅጥዒ/ስርዓት ዳብሊን ንመሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት/ህጻናት

መሰነይታ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት እንተዄንኩም፡ እቲ እተቕርብዎ መመልከቲ ብመሰረት ሕጋዊ ዓንቀጻት ናይ ዝምልከታ ሃገር ኤውሮጳ (ሕጊ ዳብሊን) እዩ ዝረአ።

መሰነይታ ዘይብልካ ወጻእተኛታት ትሕቲ-ዕድመ መንእሰይ ወይ ህጻን እንተዄንካ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽንኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ብሕጋዊ መልክዕ ዝነብሩ ኣባላት ስድራ-ቤት ወይ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ ከምዘለዉኻን ከምዘይብልካን ንምፍላጥ ክምርምር እዩ።

ከምኡ ምስዝኸውን፡ ኵነታትካ ብዕምቈት ክምርመር እዩ። ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ጉዳይ ሕቶ ዕቝባኻ በዛ ሃገር እዚኣ ንኽተሓዝ ናብ'ታ ካልእ ሃገር ሕቶ ከቕርብ ይኽእል እዩ። እታ ዝምልከታ ሃገር ብዛዕባ`ዚ ምስእትሰማማዕ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንመገሻኻ ክውድቦ እዩ።