ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣይኰንኩምን እትነብሩ፣ ሕክምናዊ ሓገዝ ድማ የድልየኩም እዩ

ሓተትቲ ዕቝባ ክነስኹም ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ትቕመጡ እንተዘይሃሊኹም፡ ተጠቀምቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ናይ ምዃን ዕድል ግን ኣለኩም።

ናብ ዶክተር ቅረቡ

ሕክምናዊ ሓገዝ እንታይ ማለት እዩ?

 

  • ምብጻሕ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም እንተድኣ ሓሚምኩም
  • ቃንዛ ስኒ እንተሃልዩኩም ናብ ሓኪም ስኒ ቅረቡ
  • ሕክምናዊ መርመራ ብጠለብ ዶክተር (ኣልትራሳውንድ፡ ራጂ/ኤክስ-ረይ፡ ናይ ኮምፕዩተር መርመራ)
  • ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ዝግበር መጥባሕትን ኣካላዊ ጽገናን (ንኣብነት ፊዝዮተራፒ ወይ ኣካላዊ ፍወሳ)
  • ብመሰረት ትእዛዝ ዶክተር ዝወሃብ መድሃኒት (በዓል-ሞያ ፋርማሲ)
  • ካልኦት ናብ ሓኪም እትቐርቡሎም ኣጋጣሚታት 

ሕክምናዊ ሓገዝ ቅድሚ ምርካብኩም፡ መጀመርታ ናብ ኣሃዱ ሕክምናዊ ወጻኢታት ናይ ፌዳሲል መመልከቲ ከተቕርቡ ይግባእ። 

ከመይ ጌርኩም ሕክምናዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ ሕቶ ተቕርቡ?

ውሑድ መዓልታት ቅድሚ ናብ ዶክተር፡ ሆስፒታል ወይ ክኢላ ፋርማሲ ምብጻሕኩም፡ ንስኹም (ወይ ዶክተርኩም) መመልከቲ ናብቲ ኣሃዱ ሕክምናዊ ወጻኢታት ፈዳሲል ክተቕርቡ ኣለኩም

ትካል ፌዳሲል ነዚ ወጻኢታት እዚ ከሕውዮ ምዃኑ ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ።

ትካል ፌዳሲል ወጻኢታት ሕክምናዊ ሓገዝ ንኸሕዊ ምስተሳማምዐ፡ ንዝምልከቶ ዶክተር ድዩስ ናብ ሆስፒታል ወይ ናብ በዓል-ሞያ ፋርማሲ ክሕብር እዩ።

ድሕር`ዚ ጥራይ ኢኹም ናብ ዶክተር ድዩስ ናብ ሆስፒታል ወይ ናብ በዓል-ሞያ ፋርማሲ ክትቀርቡ እትኽእሉ።

Fedasil ናይ ሕክምና ወጻኢታት ክኸፍል ኢዩ ።

ትል ፌዳሲል ክኸፍሎ ዝግባእ መጸዋዕታ ክፍሊት ዕዳ (ኢንቮይስ) ሕክምና ናብ ገዛኹም መጺኡኩም ዶ?

 

መጸዋዕታ ክፍሊት ዕዳ ሕክምና (እንተላይ መዘኻኸሪታትን ደብዳቤታት ትእዛዛት ቤት-ፍርድን) ናብ ገዛኹም ይመጽኣኩም እንተሃልዩ፡ ነዞም ደብዳቤታት እዚኣቶም ኣብ ዝሓጸረ እዋን በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ናብ ትካል ፌዳሲል ክትልእክዎም ይግባእ፦

         Medical Costs Unit 

          Kartuizersstraat 21

          1000 Brussels

  •  ነቲ ምስ'ቲ ናይ ዕዳ መጸዋዕታ ዝመጽእ ናይ ክፍሊት ግዴታ እውን ኣተሓሒዝኩም ልኣኽዎ። 
  • ቈጸራ ናይ ዶክተር ብህጹጽነት ዝተታሕዘ ምስዝኸውን እሞ ኣቐዲምካ ናይ ክፍሊት ግዴታ ክዳሎ ምስዘይከኣል፡ ብኽብረትኩም ሃገራዊ ቍጽሪ ወይ ናይ OV/SP ቍጽሪ ወሲኽኩም ልኣኹ። ንሃገራዊ ቍጽሪ ወይ ናይ OV/SP ቍጽሪ ኣብ'ቲ ካብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝመጽኣኩም ሰነዳት (ጥብቆ) ክትረኽብዎ ኢኹም።  

ትካል ፌዳሲል ነዚ መሕወዪ ክፍሊትን ወጻኢታትን እዚ ከሕውዮ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ።

ነዞም ወጻኢታት እዚኣቶም ብቐጥታ ባዕልኻትኩም ስለዝኸፈልኩሞም መሕወዪ ክፍሊት ክወሃበኩም ትደልዩ ዶ?


ንጠለብ መሕወዪ ክፍሊት ናይ ወጻኢታት ሕክምና ብዝምልከት፡ ትካል ፌዳሲል እዞም ቀጺሎም ዝስዕቡ ሰነዳት ክህልውዎ ይግባእ፦ 

  • መበቆላዊ ሕታም ናይ መጸዋዕታ ክፍሊት ዕዳ ወይ ቅዳሑ
  • ቅብሊት ክፍሊት/መደቓቐሲ ናይ መጸዋዕታ ክፍሊት ዕዳ
  • ቅዳሕ ካርድ ናይ ባንክ። ካርድ ናይ ባንክ ብስም ተሓካሚ እንተዘይኰይኑ፡ ከፋሊ/ኣመልካቲ እቲ መሕወዮ ክፍሊት ናብ’ቲ ሕሳብ ንኽወሃቦ ከም እተሳማምዐ ዘረጋግጽ ደብዳቤ ተታሓሒዙ ክቐርብ ይግባእ።
  • እቲ ናይ ክፍሊት ግዴታ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታኹም (ሃገራዊ ቍጽሪ ወይ ናይ OV/SP ቍጽሪ - ቈጸራ ብህጹጽ እተሰርዐ ምስዝኸውን እሞ ኣቐዲምካ መመልከቲ ምቕራብ ዝከኣል ምስዘይከውን)።
  • ነዞም ሰነዳት እዚኣቶም በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ናብ ትካል ፌዳሲል ልኣኽዎም፦ 

          Medical Costs Unit

          Kartuizersstraat 21

         1000 Brussels

ትካል ፌዳሲል ነዚ ወጻኢታትን እዚ መሕወዪ ክፍሊት ክህበሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ።

ንሕክምናዊ ሓገዝ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ትደልዩ ዶ?

ኣሃዱ ሕክምናዊ ወጻኢታት ናይ ፌዳሲል

ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ብተሌፎን ክርከብ ይከኣል - ማለት ካብ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 12፡00 ድ.ቀ.
02/213 43 00 (NL)
02/213 43 25 (FR)
ኢ-መይል፦ medic@fedasil.be
ኣድራሻ፦ Kartuizersstraat 21, 1000 Brussels

ንመሰል ምቕማጥ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ ኣብ ቤልጂዩም ንዘለኩም ሃለዋት ብዝምልከት ሕቶ ኣለኩም ዶ?

ነቝጣ ሓበሬታ ናይ ፌዳሲል

ብተሌፎን፡- 02/227 41 51 (ካብ ሰዓት 9 ቅ.ቀ. ክሳብ 12፡00 ቀትሪ፡ ከምኡ'ውን ካብ ሰዓት 2፡00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 5፡00 ድ.ቀ.)።
ብኢ-መይል፦ dispatching@fedasil.be

ህጹጽ ሓገዝ የድልየኩም ድዩ፡ ወይ ኣብ ሓደጋ ዲኹም ዘለኹም? ናብ ናይ ህጹጽ ሓገዝ ቍጽሪ ተሌፎን 101 ወይ 112 ደውሉ።