ኣብ ግዜኻ ምርካብን ተራኻ ምጽባይን

ኣብ ቤልጅዩም፡ ኣብ ግዜኻ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። ክትጽበዩ ኣለኩም እንተኾይኑ፡ ቤልጅዩማውያን ተራኹም ክትጽበዩ ትጽቢት ይገብሩልኩም።

ኣብ ቆጸራ ኣብ ግዜኹም ተረኸቡ

ኣብ በልጅም፡ ኣብ ግዜኻ ምርካብ ኣገዳሲ ኣዩ። ደንጒኻ እንተመጺኻ፡ እዚ ነቲ ካልእ ሰብ ክብረት ዘይምርኣይ እዩ፡ ምኽንያቱ ከምዝጽበዩ ስለዝገበርኩሞም።

ደንጒኹም ትበጽሑ እንተመሲልኩም፡ ነቲ ካልእ ሰብ ኣቐዲምኩም ክትሕብርዎ/ዋ ኣለኩም። ንኣብነት ክትድውልሎም ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ክትሰድሎም ትኽእሉ። እዚ ኣብቲ መቐበሊ ማኣከል፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ወይ ምስ ኣዕሩኽ ኣብ ዝህልዉኹም ቆጸራታት ኣገዳሲ እዩ።

ደንጒኹም እንተመጺኹም፡ እቲ ዝተቛጸርኩሞ ሰብ ደጊም ኣብቲ ህሞት እቲ ክሕግዘኩም ኮነ ክዛረበኩም ዘይደሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ንሳቶም መብዛሕትኡ ግዜ ድሮ ምስ ካልእ ሰብ ቆጸራ ኣለዎም። ሽዑ ንስኹም ሓድሽ ቆጸራ ምሓዝ የድልየኩም።

ብሪጋ ምጽባይ

ዝኽፈትሉ ግዝያት ኣረጋግጹ

ዝበዝሑ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ምምሕዳር ከተማ፡ ትካል CPAS/OCMW ወይ መቐበሊ ማእከላት ኣጋይሽ ንኣገልግሎት ዝኽፈቱሎም ሰዓታትኣለውዎም። ነዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ኣብ ዝኽፈትሉ እዋን ጥራይ ኢኹም ክትረኽብዎም ትኽእሉ። ካብዞም ሰዓታት እዚኦም ወጻኢ፡ ናብዞም ኣገልግሎታት ከምድላይኩም ክትኣትዉን ክትወጹን ኣይክኣልን እዩ። እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ሰባት ሽዑ ካልእ ዕማማት ይሰርሑ ኣለዉ (ምምሕዳር፡ ኣኼባታት፡ ጻውዒታት ተሌፎን)።

ተራኻ ምጽባይ

ተራኹም ክትጽበዩ ኣለኩም እንተኽዕይኑ፡ ኣብ ብልጅም ብልምዲ ሓደ ሪጋ ትገብር ወይ ቊጽሪ ዘለዎ ቲከት ትወስድ። ኣብ ዝበጻሕክምሉ እዋን፡ ኣብቲ ድሕሪት ናይቲ ሪጋ ክትኮኑ ኣለኩም። ኣብ ቅድሚት ኮይንኩም ኣይትድፍኡ፡ ወይ ሰባት ኣይትጽቀጡ።

ከም ምምሕዳር ከተማ፡ ሆስፒታል ወይ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ፖስታ ዝኣመሰሉ ትካላት ኣገልግሎት፡ ንተገልገልቲ መጸበዪ ካርድ/ትኬት እናዓደሉ እዮም ዝሰርሑ።

ኣብ ዝበጻሕክምሉ እዋን መጀመርታ ቊጽሪ ዘለዎ ቲከት ክትወስዱ ኣለኩም። ኣብቲ መጸበዪ ክፍሊ እቶም ቊጽርታት ዝረኣይሉ ሓደ ምልክት ኣሎ። ቊጽርኹም ኣብቲ ሰሌዳ ምስተራኣየ ጥራይ እዩ ተራኹም ዝኸውን።